ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊ ወይ ድማ ኣብ መንጎ መንግስታት ዝህሉ ርክባት

 ኣህጉራዊ ወይ ድማ ርክባት ኣብ መንጎ መንግስታት (inter-governmental)Visa som PDF

ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ፖለቲካውያን ሕቶታት ብሃገር ደረጃ ንምፍትሖም ዘይክኣሉ እናኾኑ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ብሰንኪ እዞም ሕቶታት ድማ መላእ ተቐመጥቲ ዓለምና ይጽለዉ። ንኣብነት ካብ መካይን ዝወጽእ ትክን ዘስዕቦ ከባብያዊ ብከላ ብኸመይ ኣብ ቁጽጽር ክውዕሉ ይኽእሉ፧ ኣብዚ፡

  • ብሓገዝ እዚ ትሕት ኢሉ ቀሪቡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ዓይነታት ምሕደራ (ሞደል ሀሁ ተመልከት) ብምጥቃም ነዚ ጸገማት ንምብዳህ ዝተተኽሉን ኣብ መንጎ ሃገራት ዝህልዉ ትካላትን ዓለምለኻዊ ማሕበራትን(intergovernmental and global organisation) ክንዕዘብ ኢና።
  • ከም ኣብነት ንሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተወሰድና ክልተ ዓይነት ምሕደራታት ኣለወን። ገለ ውሳነታት ብደረጃ ሃገር ክውሰኑ እንከለዉ ካልኦት ውሳነታት ግን ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ይውሰኑ።
  • ገለ ካብ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ዓለምለኻውያን ማሕበራት ንደሞክራስያዊ ጠለባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘማልኣ እንተኾይነን መርምር።

 

ሓባራዊ ቀያዲ ምሕደራ ብዓለምለኸ ደረጃ 

እዚ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ዓለምለኽነት (globalisation) ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ኣሰሩ እናገደፈ እዩ። ንኣብነት ብጉግል ዓለምለኸ (global) ዝብል ቃል ምስተደልየ 79 ሚልዮን ከምዝተረኽበ ይፍለጥ። እንተኾነ እዚ ዘሎናዮ ዘበን ዘሎ ዓለምለኻዊ ስርዓት (world order) ፡ ልኡላውነተን ዝዓቀባ ሃገራት ኣብ መንጉአን ብዝህሉ ድሌታት መሰረት ንሓባራዊ ጉዳያትን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክፈትሕኦ ይፍትና። እዚ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት በቶም ሃብታማት ዝኾኑ ሃገራት ምዕራብ ዓለም ዝትዓብለለ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መበል ዕስራ ክፍለዘመን ሃገራት ንጉዳያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑ ብዘይምኽኣሎም ኸኣ ከም ሳዕቤኑ ክልተ ውግኣት ዓለም ኣኸቲሉ እዩ። ሓደ ካብቲ ጸገም ድማ ኣብ መንጎ ሃገራት ጸገማት ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን፡ ነቲ ዘይምርድዳእ ክፈትሕ ዝኽእል ቀያዲ ዝኾነ ስምምዓት ብዘይምጽንሑ እዩ።

ኣብ ምውዳእ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተን ኣብቲ ውግእ ተዓወቲ ዝኾና ሃገራት ዓለምለኻዊ ባንክ (IBRD), ትካል ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ርእሰማል (IMF) ከምኡ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ንምትካል ተበግሶ ወሰዳ። እዚ ተበግሶ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ልሙድ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘሐይል ኮይኑ ድሕሪ እቲ ዝተኻየድ ውግእ ዝብጻሕ ዳግማይ ምህናጽ ቁጠባ ሃገራት፤ ሕቶታት ምዕባለ፤ ከምኡ ድማ ሕቶታት ሰላም፣ ጸጥታን ምኽባር መሰል ደቂ ሰባትን ዝሓቖፈን ኣብ ቀያዲ ስምምዓት ዝተሞርኮሰን ንምግባር እዩ ዝነበረ። ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1945 ጸደቐ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ድማ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ሃገራት ነቲ ብሰፊሕ ዝተጻሕፈ ውዕላት ምኽባር መሰል ደቂ ሰባት ተቐበልኦ። ብተወሳኺ ከባቢ ዕስራ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ዝኾነ ሃገራት ኣብ መንጉአን ክህሉ ንዝኽእል ናይ ምቕያድ ሰምምዕ ዘይሓወሰ ነጻ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ስምምዕ (GATT) ኣጽደቓ። እዚ ስምምዕ ቀጺሉ ዝልዓለ ስምምዓት ከብጽሕ ዝኽእልን ብመጠኑ ናይ ምውሳን ስልጣን ናብ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ማሕበር ንግዲ (WTO) ኣብ ምምስራት በጽሐ። ሓደ ካብ ስልጣን ናይዚ ማሕበር ድማ፡ ኣባላት ካብ ዝተበጽሑ ስምምዓት ምስዝጥሕሳ ኣብ ልዕሊ እታ ስምምዕ ዝጥሓሰት ሃገር እገዳ ናይ ምውሳድ ስልጣን እዩ። ነዚ ዝህሉ ዘተፈላለየ ኣመራጺታት ዓይነታት ምሕደራ ብኸምዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ ክበርህ ይኽእል።

ምርጫ ስርዓተ ኣልቦ ማለት ሃገራት ኣብቲ ዘካይድኦ ርክባት ካብ ዝህልወን ሓይልን ናይ ምውሳን ዓቕምን ዝተመርኮሰ ይኸውን። ሓንቲ ካብዘን ኣብ ዘተ ዝቐርባ ሃገራት ነቲ ዝቐረበ ስምምዕ ምስዘይትቕበል ድማ ዝኾነ ፍታሕ ኣይርከብን። ኣብ ሸቐጥ ዝተመርኮሰ ቁጥባ (market economy) ብተመሳሳሊ ኣገባብ ይሰርሕ፡ እንተኾነ እቲ መዐቀኒ ሓይሊ ዝምዘን ብዝህልወካ ዓቕሚ ገንዘብ ኮይኑ ዓደግትን ሸየጥን ኣብ ስምምዕ ምስ ዘይበጽሑ እቲ ካብ ክብጻሕ ዝነበሮ ስምምዓት ይገትኦም ድኣ’ምበር ኣብ ረጽሚ ግን ኣየምርሕን።

ኣብቲ ብሓባር ዝብጻሕ ዝተፈላለዩ ውሳነታት እተን በዚ ውዕላት ንክቕየዳ ዝፈረማ ሃገራት ነቲ ውዕላት መታን ከኽብርኦ ኣቐዲመን በዚ ቀይድታት ንዘይተቐየዳ ሃገራት መቕጻዕቲ ወይ እገዳ ከገብር ናብ ዝኽእል ኣህጉራዊ ወይ ዓለምለኻዊ ኣካል ስልጣን ንክውሃቦ ኣቐዲመን ይሰማምዓ። ስለዚ ድማ እዩ ከም ስዊድን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ሃገራት ሓያልን ደሞክራስያውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክህሉ’ሞ በዚ መንገዲ ኣቢለን ጽልውአን ብዓለም ደረጃ ንኸተግብራ ዝደልያ። እንተኾነ እታ ብቑጠባን ወትሃደራዊ ሓይሊ ልዕለ-ሓያል ዝኾነ ሃገር ኣሜሪካ ረብሕኣ ብኣንጻር ናይዚ ዝተጠቕሰ ኮይኑ ንረኽቦ። እተን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመጠኑ ድኹምን ዘይደሞክራስያውን ብዝኾኑ ትካላት ክቐውም እሞ ዓለምለኻውያን ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ዝተወሰና ሓያላን ሃገራት ጥራይ ብዝብጻሕ ስምምዓት ክትግበር ይደልያ።

                      እዚ ዝተጠቕሰ ኩነት ድሕሪ ውሑድ ዓመታት ምምስራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ተራእየ። ኣብ 1949 ርክባት ሃገራት ምዕራብን ምስራቕን ኣብ ኣዝዩ ዝትሓተ ደረጃ በጽሐ። ሶቭየት ሕብረት ነቲ ብመንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ተሓዚኡ ዝጸንሐ ምውናን ኣቶሚክ ቦምብ ብምስጋር ንሳ’ውን ወናኒት ኣቶሚክ ቦምብ ክትከውን ከም ትኽእል ምስተፈልጠን ናይ ፈተን ምተኳስ መጠነኛ ቦምብ ምስ ኣካየደትን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ካልኦት ዓሰርተ ሃገራት ኤውሮጳ ንወትሃደራዊ ትካል ኔቶ ፈጠራ። ኣብቲ ስዒቡ ዝተራእየ ዝሑል ኲናት ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቡዙሕ ጉዳያት ተጎስዩ ክሕለፍ ተራእየ፡ ብኣንጻሩ መራሕቲ ናይዘን ክልተ ልዕለ-ሓያላን ሃገራት ብዝወነንዎ ኣቶሚክ ቦምብ ኣብ ምፍጣጥ ኣተዉ። እቲ ኣብ ሓልዮት ዝተመርኮሰ ተራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምሕላው ሰላም፡ ብናይ ራዕዲ ሚዛን ተተክአ’ሞ ሓደ ወለዶ ኣብ ትሕቲ እዚ ብስም ዝሑል ኲናት ዝፍለጥ ኩነት ንኽነብሩ ድማ ተቐሰቡ።

ሕብረት ኤውሮጳ (EU) – ኣብ መንጎ ሃገራትን ብኣህጉራዊ ደረጃን ዝርከብ ሚዛናዊ ምሕደራ

ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ሕብረት (European Economic Community) ጸኒሑ ድማ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ (European Union) ዝማዕበለ ብ1957 ብዘይ ዝተጸንዐ ቅዋምን ዝተነጸረን ሸቶን ቆመ። እዚ ማሕበር ኣብ መንጎ ሃገራት ዝተመርኮሰ ርክብ ኮይኑ ብውሱናት ዝቑጽረን ሃገራት ኤውሮጳ ዝተመዘዙ ወከልቲ ሃገራትን ወጻእ ጉዳይ ሚኒስትራትን ኣብ ዝነውሐ እዋን ቁጠባ እዘን ሃገራት ንምውህሃድ ብምስምማዕ ድማ እዩ ዝቖመ። ኣብ 2007 ክፍለ ዓመት ኣየት 27 ሃገራት ኤውሮጳ ዝሓቖፈ፡ ካብኣተን 10 ድማ ሃገራት ምስራቓዊ ኤውሮጳ ዝኾና ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ኮና። ዛዕባታት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ግዜ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት እናወሰኸ ብምምጻእ ኣብዚ እዋን ሕቶ ጸጥታን ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘማልአ እዩ። ንዝህልዎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽዓሙ መታን ሕብረት ኤውሮጳ ዘይተመርጹ ሰራሕተኛታት ዘለዎም ኮሚሽናት ብምምዛዝ ንኣባላት ሃገራትን መንግስታውያን ትካላትን ቀየድቲ ዝኾኑ ሕግታትን መምርሕታትን ኣብ ምሕጋግን ምጽሓፍን ከም ዝነጥፉ ብምግባር፤ ቤት ምኽሪ ሚኒሰትራት ኣብ ዝገብርዎ ላዕለዋይ ኣኼባ ንሓፈሻዊ ጉዳያት ኣብ ምውሳን፤ ሓደ ማእከላይ ምምሕዳር ባንክ (a Central Bank)፤ ሓደ ሓባራዊ ፍርዲ ቤት (a Court of Justice) ከምኡ ድማ ውሱን ስልጣን ዘለዎን ምምሕዳሩ ኣብ ስትራሰቦርግን ብሪሰል ዝኾነን ሓባራዊ ባይቶ (Parliament) ፈጢሩ እዩ። እዚ ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ንምንጻሩ ዘሸግር ዓይነት ምሕደራ ዘለዎ ምምሕዳር ሕብረት ኤውሮጳ ስልጣን ኣብ መንጎ ቤት ምኽሪ ሚኒሰትራትን (Council of Ministers) ኮሚሽነራት ሕብረት ኤውሮጳን (EU Commission) ድማ ተኸፋፊሉ ይርከብ።

እዚ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣባላቱ ዝኾነን ካብአን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምስራቓዊ ኤውሮጳን ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ ንምምሕዳሩ ንስለ ክክኣል፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ነቲ ብ2004 ኣብ ሮማ ዝቐረበ ሰነድ ቅዋም (constitutional treaty) ኣጽደቐ። ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ንምምሕዳር ብዝምልከት ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ናይ ምውሳን ስልጣን ብድምጺ ብልጫ ኣባላት ሃገራት ንክኸውን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝነበረ። እንተኾነ እዚ ሓደሽ ቅዋም ናብ ኣባላት ዝኾና ሃገራት ድሕሪ ምዝርግሑ ትሑት ዝኾነ ደገፍ ዜጋታት እተን ሃገራት ረኸበ። ኣብ ፈረንሳይን ሆላንድን ነዚ ሓድሽ ቅዋም ንምቕባሉ ኣብ ዝተገብረ ናይ ህዝቢ ምርጻ ድማ እቶም ኣይፋል ዝበሉ ዜጋታት ዓብላሊ ድምጺ ረኸቡ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ እቶም ኣንጻር ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝያዳ ድምጺ መረጽቲ ክረኽቡ እንከለዉ ኣብ ምርጻ ሕብረት ኤውሮጳ ተሳታፍነት ዜጋታት ካብ 70% ናብ 30% – 40% ወረደ። ኣብዚ መድረኽ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ብመጀመርያ በቶም ላህመት ሕብረተሰብ (elite) ዝኾኑ ጥራይ ዝያዳ ደገፍ ከምዝነበሮ ክበርህ ክኢሉ እዩ። እቲ ኣብ ሓፋሽ ዝሰረቱ ደገፍ ክህልዎ ዝተገብረ ፈተን ድማ ከይትዓወተ ተረፈ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንምምሕዳር ሕብረት ኤውሮጳ ብዝምልከት ሓደ ሓድሽ ዝተመሓየሸ ቅዋም ድሕሪ ምቕራብ ብኣባላት ሃገራት ቅቡል ኮይኑ ጸደቐ። እንተኾነ እዚ ብባይቶ ኤውሮጳ ቅቡል ዝኾነ ቅዋም ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ብመጀመርያ ብደረጃ ሃገራት ነዚ ሓውሲ ምምሕዳር ሰብ ሞያ፣ ስርዓተ-ኣልቦን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዘጠቓለለ ዓይነት ምሕደራ ርድኢትን ተቐባልነትን ንኽረክብ ሓያል ስራሕ ክሓትት እዩ።

ዋላ’ውን ኔቶ (NATO) ክጅመር እንከሎ ብሕብረት ኣብ መንጎ ውሱን ቁጽሪ ዝነበረን ሃገራት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኮዩኑ፡ ድሕሪ ውሑድ እዋን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝምራሕ ሓያል ውህደት ናብ ዘለዎ ምጥርናፍ ተለወጠ። ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ኣብ 1989 ከምኡ ድማ ምብትታን ሶቭየት ሕብረት እዚ ማሕበር ብዝያዳ ብምዕባይ ንገለ ኣብ ክሊ ሶቭየት ሕብረት ዝነበራ ሃገራት ከይተረፋ ኣባላት ንምግባር በቕዐ። ብሕጽር ዝበለ ኔቶ ዓለምለኻዊ ማሕበር ኮይኑ ኣባላት ሃገራት ንፍሉይ ጥቕምታት ወይ ረብሓታት ንምሕላው ብምስምማዕ ኣብ ጎኒ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዝወገናን ንመሪሕነት እዛ ሃገርን ብዝተቐበላን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ሓባራዊ ስምምዕ ብዘለወን ሃገራት ዝቖመ ማሕበር እዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይክኣል። ኔቶ ኣብ ቅሳነት ዘይብሉ ከባቢታት ሰራዊት ክሰድድ ጸኒሑ እዩ እንተኾነ ኣብ ውግእ ዒራቕ ኔቶ ዘይኮነ መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ምስ ውሑዳት ሃገራት ብምስምማዕ እዩ ሰራዊት ናብ ዒራቕ ዝልኣኸ።

 

ዓለምለኻዊ ማሕበር ንግዲ (WTO)

ቀንዲ ዕማም ዓለምለኻዊ ማሕበር ንግዲ (WTO) ኣብ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ንግዲ ዝህሉ ዕንቅፋታት ንምእላይ ኮይኑ ሓደ ብዓለም ደረጃ ዝቖመ ማሕበር እዩ። ኣብዚ ማሕበር ዝኾነት ሃገር ኣባላነት ክትሓትት ትኽእል እያ እንተኾነ ኣባል ንምዃን ዝቐርቡ ቅድመኩነታት ኣዝዮም ከበድቲ እዮም። እዚ ማሕበር ዳርጋ ኣብ ሓደ እዋን ምቛም ኔቶ ተመስሪቱ እንተኾነ ከም ኔቱ ዕውት ማሕበር ክኸውን ክኢሉ ክብሃል ግን ኣይክኣልን። ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ሃገራት ማዕረ መሰል ኣለወን እንተኾነ ኣቃውማ ናይቲ ሕግታት፡ ንኣብነት ሓንቲ ሃገር ሓደ ውሳነ ኣንጻር ረብሕኣ ዝኸይ ክኸውን እንከሎ ነቲ ውሳነ ደው ንምባል ተኽእሎ ኣለዋ። እቲ ክውሰድ ዝድለ ውሳነ ንረብሓ ሃብታማት ሃገራት ምስ ዝኽውድን ድማ ፡ እተን ድኻታት ሃገራት ነዚ ውሳነ ንክቕበላ በተን ሓያላት ወይ ሃብታማት ሃገራት ብርቱዕ ጸቕጥታት ይግበረለን።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ንግዲ ኣገባብ ኣወሳስዳ ውሳነ ንስርዓተ ኣልቦ (ኣናርኪ) ዓይነት ምሕደራ ዝመሳሰል ኮይኑ ፍታሕ ንምምጻእ ምሉእ ውሕስነት ክህብ ዘይክእል ዓይነት ምሕደራ ዘለዎ እዩ። ተሳተፍቲ ብቑጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም ድማ ዝውሰድ ውሳነ ካብቲ ክነቅል እንከሎ ንዝቐረበ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዘየማልእን ንድሌታት ኣባላት ሃገራት ኣብ ግምት ዘየእተወን ድማ ይኸውን። ስለዚ እዩ ድማ ኣሜሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ምስተን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ዝገብርኦ ውዕላት ኣብ ክንዲ ብመንገዲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ንግዲ ዝገብርኦ ብቐጥታ ብክልትኣዊ (bilateral) ውዕላት ምትግባር ዘዘውትራ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ዝካየድ ውዕላት እትን ድኻታት ሃገራት ዝውሓደ ተጠቀምቲ  ንክኾና ድማ የሳጥሐን።

ከምዚ ትሕት ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ዋላ እተን ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾና ማሕበራት ናታተን ደሞክራስያዊ ድኽመታት ኣለወን። ትካላትን ካብ መጀመርያ ክቖማ እንከለዋ ብተበግሶ እተን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተዓወቲ ዝኾና ኣሜሪካን ንሳ እትመርሐን ሃገራት ዝተኸልኦ ትካላት ወይ ማሕበራት ብምንባሩ ነዘን ትካላት ንምቁጽጻርን ንዕአን ዘርብሕ ዛዕባታት ሰሪዐን ንክዋስኣ ክገብርአን ስልጣንን ክእለትን ስለዝነበረን እየን።

ዓለምለኻውያን ማሕበራትን መዐቀኒ ደሞክራስያን

ኣብዚ ልዕል ኢሉ ቀሪቡ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ዝርከብ ታሕተዋይ ክፋል መግለጺ ብዛዕባ ክማልኡ ዝግባእ ወግዓዊ ጠለባት ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ እቲ ላዕለዋይ ክፋል ድማ ብዛዕባ ትሕዝቶ ዝገልጽ ምዃኑ ኣስተብህል። ዛዕባታት ብዛዕባ ሕቶታት ህልዊ ኩነታት፤ ማዕረ ዕድላት ምስታፍን ተኽእሉ ሓበሬታ ምርካብን ከምኡ ድማ እኹልን ማዕረ ምምቕራሕ (ምክፍፋል) ንብረትን ጥሪትን ዝልዓለሉ እዩ።

 

ወድብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ ኣድላዪ ጽገናታት ክግበረሉ ከምዘለዎ ብዝምልከት ውዕዉዕ ክትዓት እናተኻየደ ይርከብ። ብዛዕባ ምህርቲ ወይ ውጽኢት (output-sidan) ብዝምልከት መታን ውሳነታት ብግቡእ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ንምምሕዳራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውጽኢታዊ ስራሕ (more effective) ከምዝሰርሑ ምግባር ድሮ ብዙሕ ዕማማት ተሰላሲሉ እዩ፡፡ ንእትዋት (input-sidan)ብዝምልከት ዝያዳ ደሞክራስያዊ ንስለ ክኸውን መስርሕ ምውሳን ኣብ ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ካብቲ ብሃገራት ተሓዚኡ ዝጸንሐ ስልጣናት ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሰጋገር ምግባርን ኣብ ውሽጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስልጣን ምምቕራሕን ከድሊ እዩ። እንተኾነ ዋላውን ቅድመኩነታት ደሞክራስያ ብግቡእ እንተዘይተማልኡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመጀመርያ ካብ ንተራ ዜጋታት ብቐዳምነት ነተን ኣባላት ሃገራት ዝኾና ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ዝያዳ ዝነጥፍ ማሕበር ኮይኑ ክቕጽል እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዓለም ለኸ ደረጃ ወካሊ ምሕደራ (representative government) የለን። ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ (General Assembly) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ብዝሒ ህዝባ ብዘየገድስ ሓሓደ ቦታ ኣለወን።

እቲ መሰረታዊ ነገር ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ወሰንቲ (crucial issues) ነገራት ብደረጃ ሃገር ክፍትሑ ኣብ ዘይክእልሉ እዋን፡ ሓባራውን ቀየድትን ውሳነታት መታን ክኾኑ ኣብየናይ ደረጃ ክውሰኑ ከምዘለዎም እዩ። ነቲ ብዓለም ደረጃ ዝካየድ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥን ምንቅስቓስ ርእሰ-ማልን (global flows of information and capital) ነቲ ብቐጸሊ ዝርአ ዘሎ ስግረ ዶብ-ሃገራት ዝኸይድ ምንቅስቓስ ሰባት (cross-border migration)፤ ሳዕቤናት ገበናት፣ ለብዒ ሕማም (epidemic disease)፣ ከባብያዊ ብከላን (environmental damage) ምቅይያር ክሊማን (climate change) ብሃገረ ደረጃ ዘይኮነ ብኣህጉራዊ ወይ ዓለምለኻዊ ደረጃ እዮም ክፍትሑ ዝኽእሉ፡ ንጸጥታዊ ሕቶታት ብዝምልከት ድማ ዓለምለኻዊ ፍታሕ ጥራይ እዩ ክርከቦ ዝኽእል።

Share:Email this to someoneShare on FacebookShare on Google+Tweet about this on TwitterShare on LinkedInPrint this page
Posted in Background, International Level, na