Blog Archives

ብምብርራይ መስርሕ ኣኼባ ምክያድ (Rotating functions at a meeting)

መስርሕ ምምራሕ ኣኼባ ዝትሓላለኸ ብምዃኑ፡ ሓላፍነት ኣብ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምቀል ይክኣል እዩ። ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ምምራሕ ኣኼባ ብቐጻልን ብምቅይያርን ተሳተፍቲ ክመርሑ እንተኽኢሎም ሓደ ማሕበር ብኸመይ ይሰርሕን ሓላፍነት ብምውሳድ ኣኼባታት ምክያድን ዝህልዎም ኣፍልጦ ክብ ንምባል እውን ሓጋዚ መስርሕ እዩ።
Read more ›

Share:Email this to someoneShare on FacebookShare on Google+Tweet about this on TwitterShare on LinkedInPrint this page
Posted in Better Meetings, Method Bank, Methods

ሓባራዊ ዛዕባታት (Common agenda)

እዚ ኣገባብ ክፉትን ብሓባር ዝተወሰኑ ምምቕራሕ ስልጣን ወይ ሓላፍነት የውሕስ። እዚ ድማ ተሳተፍቲ ብዙርያ ኮፍ ብምባል ኣብዞም ዝስዕቡ ዘለዎም ርድኢት ንኽገልጹ ዕድል ይኸፍት፡

  • ኣየኖት ዛዕባታት ክልዓሉ ከምዝደልዩ ሕተቶም
  • ሓበሬታ ክህቡ፣ ክዝትዩ ወይ ድማ ውሳነ ክውስኑ ዝደልዩ እንተኮይኖም
  • ንነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ክንደይ ግዜ ክውሃቦ ከምዘለዎ
Share:Email this to someoneShare on FacebookShare on Google+Tweet about this on TwitterShare on LinkedInPrint this page
Posted in Better Meetings, Method Bank, Methods

ዙርያ (Rounds)

ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ በብተራ ንከባቢ ሓደ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ይውሃቦ እሞ ዝኾነ ሰብ ከይዓንቀፎ ድማ ርእይትኡ ክገልጽ ዕድል ይውሃቦ። ኣብቲ ዝቐርብ ርእይቶ ድማ ካብ ዝኾነ ካልእ ተሳታፊ ሕቶ፣ ርእይቶ ወይ ክትዓት ክካየድ ኣይፍቀድን እቲ ምንታይ መስርሕ ምቕራብ ርእይቶ ብዘይ ምቁራጽ መታን ክቕጽል ክኽእልን በዚ ኣገባብ ድማ ሓባራዊ ቴማ ንምክያድ መታን ክክኣል። ንኣብነት፡
Read more ›

Share:Email this to someoneShare on FacebookShare on Google+Tweet about this on TwitterShare on LinkedInPrint this page
Posted in Better Meetings, Method Bank, Methods

ኩዕሶ ንኽዛረብ ዝተቐረበ ሰብ (Speaker’s ball)

ምዝራብ ናይ መን ተራ ምዃኑ ንምሕባርት ኣድህቦ ተሳተፍቲ ድማ ኣብኡ ክኸውን ንምሕጋዝ ሓንቲ ንእይሽተይን ልምልምቲ ኩዕሶ ኣዳሉ። እቲ ኩዕሶ ሒዙ ዘሎ ሰብ ድማ ብዝኾነ ሰብ ከይተቛረጸ ርእይትኡ ንምቕራብ ምሉእ ዕድል ኣለዎ።

እዚ ኣገባብ ተሳተፍቲ ኣድህብኦም ኣብቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ብምግባር ኩዕሶ ሒዙ ዘሎ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ክከታተልዎ ዘኽእል ኣገባብ ድማ እዩ። ተሳተፍቲ ንውሱን እዋን በዚ ኣገባብ ምስተለማመዱ ኣብ ዝቕጽል እዋን ዋላ’ውን ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝርከብሉ እዋን እታ ኩዕሶ ናብቲ ክዛረብ ዝደለየ ሰብ ብምድርባይ ሓሳቡ ድሕሪ ምቕራብ ንሱ ድማ ብምቕጻል ናብ ካልእ ክዛረብ ዝደለየ ሰብ ነታ ኩዕሶ ብምድርባይ ነቲ ኩዕሶ ዝሓዘ ናይ ምዝራብ መሰል ይውሃቦ ማለት እዩ። እዚ ኣገባብ ዋላ መራሕ ኮርስ ኣብ ዘይብሉ እዋን ዘተ ብኣገባብን ተሳተፍቲ ነንሕድሕዶም ብዘይምኩልላፍ ንምክያድ ዘኽእሎም እዩ።

Share:Email this to someoneShare on FacebookShare on Google+Tweet about this on TwitterShare on LinkedInPrint this page
Posted in Better Meetings, Method Bank, Methods